ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ካይሮ – ግብጺ፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ጸምቢሎም።

ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ግብጺ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሴ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣንጻሩ ንዝተኻየደ ሸርሕታት ክሰግርን ብዓወት ክወጽእን ዝኸኣለ – ሳላ ሓያል ጽንዓቱን ንቑሕ ናይ መኸተ መንፈሱን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እዚ ድሙቕ ክብርታት’ዚ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ትስፉው መድረኽ ሰላም እውን፡ ተኣምር ከምዝሰርሕ ድማ እምነቱ ገሊጹ።

ኣካየድቲ ማሕበረ-ኮም፡ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን፡ ከምኡ’ውን ሃማደኤ ብወገኖም፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ – ድልውነቶም ንዝበረኸ መኸተ ዘረጋግጽ መደረታት ኣስሚዖም።

Categories