ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ካብ 10 ሚያዝያ ክሳብ 1 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ምርጫታት፡ 7 ደያኑን 33 ናይ ዕርቂ ሽማግለታትን ተመሪጾም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ፡ ደያኑ – ክብርታት ሕብረተሰብ ዝሰረቱ ስሉጥን ጽፉፍን ፍትሒ ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 7 ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ኣለዋ።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንሱራ እውን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ መንታይ፡ ዓድ-ኩኩይ፡ ድሉክ፡ ሕርኮክ፡ መጋውዳ፡ ኮሬትን ገርገርን፡ ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣካያዲ ስራሕ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ የማነ ተስፋሚካኤል፡ ኣመሓደርቲ – ንህዝቦም ብቕንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሉ፡ ህዝቢ ድማ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ኣዘኻኺሩ።

Categories