ኣብ ግርግር-ገርሲ – ንኡስ ዞባ ሰልዓን ሓልሓልን ዝሃረመ ብርቱዕ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ፡ ጥሪትን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረደ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ብ13ን 14ን ግንቦት፡ ኣብ ግርግር-ገርሲ ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብን ንሱ ዘስዓቦ ውሕጅን፡ 9 ሰባትን 250 ጤለ-በጊዕን ሞይቶም።

እቶም 8 ግዳያት (6 ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ-ቤት) ብውሕጅ ዝተወስዱ ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ ሓደ ብበርቂ ከምእተወቕዐ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣቐዲሙ ብ11 ግንቦት፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢታት ሓልሓል፡ ቀርጸት፡ ረሀይ፡ ፈሸንበኩን ገበይ-ኣለቡን ንኣስታት ሰዓትን ፈረቓን ዝወቕዐ ዝናብ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብያተትምህርትን 5 ሄክታር ጀራዲንን ከቢድ ጉዳኣት ኣውሪዱ።

ልዕሊ 1100 ተመሃሮ እተአንግድ ሓሙሽተ ክፍልታት ዘለዋ ቤት-ትምህርቲ፡ ዚንጎኣ ምሉእ ብምሉእ ክቕንጠጥ እንከሎ፡ 5 መንበሪ ኣባይቲ ተመሳሳሊ ጉድኣት ወሪዱዎ።

Categories