ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራን ማዕከን ዜናዊ ሓበሬታ “ራሻ ቱደይ”ን፡ ትማሊ 13 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ከቲሞም።

ነቲ ሰነድ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴለቪዥን ኣቶ ኣስመላሽ ኣብርሃ፡ ንማዕከን ዜና “ራሻ ቱደይ” ብምውካል ድማ፡ ኣምባሳደር ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኣዚም ያራኽመዶቭ ከቲሞሙሉ።

እቲ ውዕል፡ ምልውዋጥ መደባት ንዳግመ-ፈነወ፡ ስልጠና ንኣባላት፡ ከምኡ’ውን “ራሻ ቱደይ” ንዝምእርሮ ዜናዊ ሓበሬታ፡ ኤሪ-ቲቪ ከም ኣማራጺ ምንጪ ክጥቀመሉ ዝብል ኣዕኑድ ይርከቦ።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ሚኒስትሪ ዜና ምንጪ ሓበሬታኡ ንምስፋሕ ኣተኵሮ ሂቡ ይሰርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እዚ ሰለስተ ኣዕኑድ ዘጠቓለለ ውዕል ኣገዳሲ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኣዚም ብወገኑ፡ እቲ ውዕል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን ዘሎ ዝምድና ኣበርክቶ ክገብር እምነቱ ገሊጹ።

በዚ ተኸቲሙ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ፡ ካብ “ራሻ ቱደይ” ዝመጽእ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ንምቕባል ዘገልግል ክልተ መሳርሒታት ንሚኒስትሪ ዜና ተረኪቡ ኣሎ።

ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ማዕከን ዜና “ራሻ ቱደይ”፡ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ማዕከናት ዜና ዓለምና እዩ።

Categories