ሚኒስተር ጥዕና ሪፓብሊክ ግብጺ ዶክተር ሃላ ሙስጣፋ ኣል’ሰይድ፡ ብ11 ግንቦት ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺማ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴንን ሚኒስተር ሃላ ሙስጣፋን ኣብ ሆቴል ኣስማራ-ፓላስ ኣብ ዘካየዳኦ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጽላት ጥዕና ብዛዕባ ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ዝምዕብልን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪደን።

ብዘይካ’ዚ ክልተአን ሚኒስተራት፡ ብኣምባሳደር ሪፓብሊክ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያስር ዓሊ ማሕሙድ፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ተሰንየን፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ሆስፒታል ደምበ ሰምበል፡ ሆስፒታላት ሓሊበትን ብርሃን ዓይኒን ብምብጻሕ፡ ሓፈሻዊ ኣገልግሎታት ተዓዚበን። ኣብ ብልጫታትን ሕጽረታትን እውን ብክኢላታት መብርሂ ተዋሂቡወን።

ሚኒስተር ኣሚና፡ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ንዝጸንሐ ምትሕግጋዝ ዝድርዕ፡ ነቲ ዛጊት ኣብ ሕክምና ዓይኒን ስኒን ዝጸንሐ ምትሕግጋዝን ተመኵሮ ናይ ምልውዋጥ መደባትን፡ ኣብ’ቲ ካልእ ዓውድታት ንምስፍሑ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ምዃኑ ገሊጻ።

ሚኒስተር ሃላ ሙስጣፋ ብወገና፡ ዘመናት ንዘቚጸረ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ብምጥቃስ፡ እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ሰብመዚ ክልቲኡ ሚኒስትሪታት ክገብሩዎ ዝጸንሑ ምብጽጻሕ ኮይኑ፡ ነቲ ዝጸንሐ ምትሕግጋዝ ናብ ሓድሽን ዝሰፍሐን መድረኽ ንምስግጋሩ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሃ።

“ኤርትራ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ዝድነቕን ግብጺ ዓቢ ተመኵሮ ክትቀስመሉ እትኽእልን እዩ’’ ዝበለት ዶክተር ሃላ፡ ሃገራ እውን ኣብ ምጥፋእ ሕማም ወይቦ ዘመዝገበቶ ገስጋስ፡ ንኤርትራ ተመኵሮ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እዚ ምልውዋጥ ተመኵሮ ድማ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝጸንሐ ዝምድና ዝድርዕ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሚኒስተር ኣሚና ኑርሕሴን፡ ንክብሪ ሚኒስተር ሃላ ሙስጣፋ ኣብ ሆቴል ኣስማራ-ፓላስ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት፡ ንባህሊን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ህያብ ኣበርኪታትላ።

ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን፡ ኣብ 2010 ኣብ ግብጺ ተመሳሳሊ ዑደት ኣካዪዳ ምንባራ ይዝከር።

Categories