መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 15 ክሳብ 24 ግንቦት ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ክጽምበል እዩ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ መደባት ብ4 ግንቦት ብዝጀመረ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ከምኡ’ውን ብ9 ግንቦት ዝተኸፍተ ‘ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ’ ድሮ ተበጋጊሱ ምህላዉ፡ ምውላዕ ሕብራዊ መብራህቲ ጎደናታት፡ ቀጥታዊ ሸፈነ ኤሪ-ቲቪ ዝወሃቦ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ ኣብ ሲነማታትን መድረኻትን ዝቐርብ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን፡ ህዝባዊ ጓይላ፡ ምርኢት ካርኒቫል፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ከምኡ’ውን ወግዓዊ ጽምብል፡ ካብ’ቶም ንበዓል ናጽነት ንምምዕራግ ተዳልዮም ዘለዉ ምዃኖም ገሊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝወደቦ፡ ስራሓት ቅብኣ፡ ቅርጻ-ቅርጺ፡ ምህዞን ሰንዓን ዘጠቓልል ምርኢት፡ ኣካል ናይ’ቲ ጽምብል ምዃኑ እውን ኣብሪሁ።

ካብ ጃፓን፡ ቻይናን ግብጽን ዝመጻ ጉጅለታት ባህሊ ድማ – መደብ ተታሒዙለን ኣሎ።

“ናጽነት፡ ብቐንዱ ህዝቢ ብዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ዝተረጋገጸ እዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ጽምብል ናጽነትና ወትሩ ብልዑል ተሳትፎን ዋንነትን ህዝቢ ከምዝደምቕ፡ ሎሚ እውን ጭውነት፡ ሓድነትን ምክብባርን ህዝብና ዝንጸባረቐሉ ሃገራዊ ውራይ ክኸውን ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

Categories