ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ብሉጽ ውጽኢት ንዘመዝገቡ 133 ተመሃሮ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን፡ ብ8 ግንቦት ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሽልማት ‘ዒንዳማሶ’ ተዓዲሉ።

እቶም ነቲ ብምውህሃድ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብን ዝተዳለወ ሽልማት ዝበቕዑ ተመሃሮ፡ ካብ 12 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመጹ ኮይኖም፡ ካብ 85 ክሳብ 98 ሚእታዊት ነጥቢ ዘመዝገቡ እዮም።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ መሰረታዊ ዕላማ ሽልማት ‘ዒንዳማሶ’፡ ነቶም ጻዕራማት ብምትብባዕ፡ ኣብ ተመሃሮ ቅዱስ ቅንኢ ንምሕዳር ምዃኑ ብምሕባር፡ በብዓመቱ ዝስስን ዘሎ ብሉጽ ውጽኢት ናይ ዘመዝግቡ ተመሃሮ ቁጽሪ፡ ናይዚ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ እቲ ሽልማት ኪንዮ’ቲ ኣብ ሞንጎ ተመሃሮ ዘሕድሮ ናይ ምውድዳር መንፈስ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብያተ-ትምህርቲን መማህራንን እውን ሞያዊ ድርኺት ዝፈጥር ኮይኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ንብሉጻት ተመሃሮ ምትብባዕ ኣካል ናይቲ ብቐንዱ ንመንእሰያት ማእከል ዝገበረ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባት ምዃኑ ብምሕባር፡ ማሕበር ልዑል ጠመተ ሂቡ ካብ ዝሰርሓሉ መደባት ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ሓምሻይ ዙርያ ምዕዳል ሽልማት ‘ዒንዳማሶ’፡ ንተመሃሮ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ዓረዛ፡ ድባርዋ፡ እምኒሓይሊን ማይ-ምነን እውን፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ።

Categories