ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብ9ን 10ን ግንቦት፡ ኣብ ምጽፋፍ ንድፊ ኣዋጅ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ዝዘተየ ዓውደመጽናዕቲ፡ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ሃኮሰኤ ኣካዪዱ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን ቁጽጽርን ኣቶ ተኽለኣብ ምስግና፡ ቅድሚ 12 ዓመታት ዝተዳለወ ንድፊ ዳግማይ ክለሳ ዘድልዮ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ዕላማ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ብምዃን ኣሪምካን ኣሀብቲምካን ዝእወጀሉ መንገዲ ምፍጣር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣዋጅ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ከምዘይጸንሐ፡ የግዳስ በብግዜኡ ንዝወጽእ ዝነበረ መምርሒታትን ሕጋዊ ምልክታታትን መሰረት ብምግባር ክስራሕ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደን ሓሳባት ዝፈሰሶን ዓውደመጽናዕቲ፡ ብቐንዱ ነቲ ኣብ 2007 ዝተነድፈ ኣዋጅ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ብምኽላስ፡ ተኣዊጁ – ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ክስራሓሉ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እቲ ንድፊ፡ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ክህልዎን ማዕረ-ማዕረ ዝኽሰት ምዕባለታት ንኽስጉምን ዝስራሓሉ ኮይኑ፡ ኣገባብ ኣተኣታትዋ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ናብ ሃገር፡ ጽልዋኡ ኣብ ኣከባቢ፡ ኣመዘጋግባ መድሃኒታት ጸረባልዕ፡ ዝውሰዱ ሕጋዊ ስጉምትታት፡ ንመስርሕ ምጒዕዓዝን ምውጋንን ካልእን የጠቓልል።

Categories