ብምክትል ዋና ጸሓፊ ሚስተር ማማዶ ዳያሎ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበራት (ITUC)፡ ካብ 7 ክሳብ 9 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ንዳይረክተር መሰል ሰብኣውን ሞያዊ ማሕበራትን ሚስተር ጀሮየን በይርናየርትን ሓላፊት ሜድያን ርክባትን ሚስ ጀማ ስዋርትን ዝሓቘፈ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ፡ ምስ ፈጻሚት ሽማግለ ሃኮሰኤ ተራኺቡ፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘትዩ።

ብኣውራኡ ምስ ሃኮሰኤ ክተሓጋገዙሉ ዝኽእሉ ዕድላት ንምልላይ ከምዝመጹ ዝሓበሩ እቶም ሰብ-መዚ፡ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ሞያዊ ማሕበራት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ መሰረት ብምግባር፡ ንማሕበራት ሰራሕተኛታት ክልቲአን ሃገራት ዘርብሕ መደባት ሓንጺጹ ክሰርሕ ከምእተበገሰ ገሊጾም።

እቲ ልኡኽ ብ9 ግንቦት፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ምስ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ ርክብ ኣካዪዱ። ድሕሪ-ቐትሪ ድማ፡ ኣብ ፋብሪካ ዓለባ ‘ዛኤር’ን ፋብሪካ ኣስመራ ቢራን ዑደት ፈጺሙ።

እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን፡ ኣብ መላእ ዓለም 207 ሚልዮን ኣባላት ከም ዘለውዎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ኤርትራ ክመጾ ንዝጸንሐ ግጉይ መረዳእታታት ንኸረጋግጽ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ክዕዘብን ስጉምቲ ክወስድን ከም ዝጸንሐን፡ ካብ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሃኮሰኤ፡ ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ምስ’ዚ ኣህጉራዊ ኮንፈደረሽን ዝምድና ከምዝጸንሖን፡ ካብ 1994 ወግዓዊ ኣባል ከምዝኾነን ይፍለጥ።

Categories