ኣብ ዞባ ማእከል፡ ከም ኣካል መደባት ናይ’ቲ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ ዝጽምበል ዘሎ መበል 28 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ትማሊ ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣኽርያ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ‘ደብዓት’ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ንዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት መሪቑ ከፊቱዎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቅነ ናጽነት ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ 134 መውዓሊ ህጻናት፡ 105 መባእታ፡ 52 ማእከላይ ደረጃን 23 ካልኣይ ደረጃን – ብሓፈሻ 282 ኣብያተ-ትምህርቲ ይሳተፋ ከምዘለዋ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ባህልን ስፖርትን መምህር እስቲፋኖስ ገብረሃዋርያት ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ደጎል ዑቕባስላሴ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ መበል 28 ዓመት ጽምብል ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ ሓያል ሓድነቱ፡ ንቕሓቱን መኸተኡን ኣብ ዝዓጽደሉ ዘሎ እዋን ይጽምበል ምህላዉ ፍሉይ ድምቀት ከምዘለዎ፡ እዚ መድረኽ’ዚ ዘሰክሞ ሓላፍነት’ውን ስለዘሎ ግዳ፡ እቲ ተኣምር ዝሰርሐ ክብርታት ብዝበለጸ ተዀሊዑ፡ ንጽንዓት ብጽንዓት ደሪብና መደባት ልምዓት ሃገር ከነበርኽ እዋናዊ ተልእኾ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ ከምኡ’ውን ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት ማእከል ተረኺቦም ነይሮም።

Categories