ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ናይ ሰለስተ መዓልታት ዕዉት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ካብ 5 ግንቦት ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ፡ ሓላፊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ከምኡ’ውን ምስ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ጉዳያትን ዓሚቚ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ገስጋስ ናይ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ዝምድናን ምትሕብባርን ድሕሪ ምግምጋም፡ ንምድንፋዑ ኣብ ዘኽእል መዳያት’ውን ብዕምቈት ተዘትዩ።

ምስ ሓላፊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን፡ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድና ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ዘለዎ ኣስተዋጽኦን ዝርርብ ተኻዪዱ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ብማህደረ-ትምህርቲ ኣብ በይጂን ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ምስ ዝመሃሩ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ተራኺቡ።

Categories