ኣብ ከተማ ኣቑርደት፡ ደረቕን ፈሳስን ርስሓት ዝውገነሉ ፍሉጥ ቦታ ስለዘየለ፡ እታ ከተማ ንርስሓት ተቓሊዓ ምህላዋ ብምሕባር፡ ዝምልከቶ ኣካል ቈላሕታ ክገብር ነበርቲ ሓቲቶም።

ጐሓፍ፡ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ኣብ ከባቢ ምንጪ ዝስተ ማይን ንሕርሻዊ መዓላ ኣብ ዝውዕል ከባብን ይድርበ ብምህላዉ፡ ንጥዕና ነበርትን ጽባቐ’ታ ከተማን ኣሰካፊ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ህዝቢ፡ ሰሙናዊ ወፈራዊ ጽሬት ከምዘካይድ – እንተኾነ፡ ጐሓፍ ዘመላልሳ ተሽከርከርቲ ዘይምህላወን፡ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ’ታ ከተማ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃኑ፡ መሕረዲ ጥሪት እውን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝነብረሉ ቦታ ብምድኳኑ፡ ኩሉ ተደማሚሩ ነቲ ጸገማት ከምዘብኣሶ፡ እቶም ነበርቲ ኣማሪሮም።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣቑርደት፡ ዶክተር ወልዱ ዮውሃንስ፡ እቲ ተርእዮ ነዊሕ ዝገበረ ምዃኑ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጸጋታት ህዝቢ ኣወሃሂዱ ነቲ ሽግር መሰረታዊ ፍታሕ ከናድየሉ – ብተደጋጋሚ ዘቕረቡዎ ሕቶ ግብራዊ ምላሽ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።

Categories