ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳር ከባቢ ኢራፋይለ እትርከብ መደበር ጥዕና፡ ጥዕናዊ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ምብራኽ ልዑል ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ተገሊጹ።

በብእዋኑ ብዝግበረሎም ጐስጓሳትን ዝወሃቦም ኣስተምህሮታትን፡ ኣፍልጦኦም ኣብ ዘመናዊ ሕክምና እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ብኡ መጠን ድማ ተርእዮ ሕማማት ከምዝነከየ፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ’ታ መደበር ጥዕና፡ ኣገልግሎታት ክንክን ቅድሚን ድሕሪን ሕሪሲ፡ ውሁድ ፍወሳ ህጻናት፡ ክታበት ህጻናትን ኣዴታትን ካልእን ከምዝወሃብ ዝሓበረ ሓላፊ’ታ መደበር፡ ነርስ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ መሳርሒታት ላቦራቶሪ – ብሕጽረት ሞያውያን ዛጊት ኣገልግሎት ከምዘይጀመረ ኣብሪሁ።

Categories