ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብዘካየዱዎ ምርጫታት፡ 10 ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲን 16 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 42 ሽማግለታት ዕርቂን ከምዝመረጹ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ሰፊሕ ጐስጓሳት ብምክያዱ፡ እቲ መደብ ብጽፈት ከም እተተግበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ተሳተፍቲ፡ እቶም ሓደስቲ ደያኑን ሽማግለ ዕርቂን፡ ኣብ ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰቦም ዝተመርኰሰ ኣሰራርሓ ክኽተሉ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ስራሖም ደገፍ ህዝቦም ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጾሙሎም።

Categories