ኣብ ሓጋዝ፡ ጥዕናን ድሕነትን ደቂኣንስትዮ ንምርግጋጽ፡ ን40 ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ግንቦት ዝተኻየደ ስልጠና፡ ብቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበ ኮይኑ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምኡ’ውን ኣብ ድሕነት ኣደን ህጻንን ዘተኰረ ነይሩ።

ኣባል ሓበሬታን ጐስጓስን ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ መንእሰይ ብርሃነ ዓንዶም፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ንምቁጽጻር ኣብ ኣገባብ ምምሕልላፍን ምክልኻልን ብዝተኻየደ ሓያል ጐስጓሳት፡ መልከፍቲ ናይ’ቲ ሕማም ኣዝዩ ከምዘንቈልቈለ ብምጥቃስ፡ ምሉእ ብምሉእ ንምቊጽጻሩ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ንቕሓተን ኣበሪኸን ክነጥፋ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዮናስ ኣልኣዛር፡ ንሰልጠንቲ ኣብ መሰላት ቈልዑ፡ ከምኡ’ውን ሃሳዪ ልምድታትን ሕብረተሰብ ክኽተሎ ኣብ ዝግባእ ኣገባብ ኣተኣላልያን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

Categories