ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ካብ ሽዱሽተ ዞባታት ንዝመጹ ሓለፍቲ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ጨናፍር ምምሕዳር ክራይ ኣባይቲ፡ ትማሊ 6 ግንቦት ንትግባረ ዝተመሓየሸ ዋጋ ክራይ ንዘይመንበሪ ዘገልግል ናይ መንግስትን ብሕትን ኣባይቲ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

መንግስቲ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ፡ መነባብሮ ዜጋታቱ ንምምሕያሽን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ብኹሉ ዓቕሙ ክሰርሕ ከምዝነቐለ፡ እንተኾነ ግን – እቲ ዝተበጋገሰ ዕዮ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክዅለፍ ምጽንሑ ዝገለጸ ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ብፍላይ ዋጋታት ክራይ ኣባይቲ ኣብ መነባብሮ ጸቕጢ ክፈጥር ስለዝተራእየ፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት እተጽንዕ ኮሚቴ ብምቛም፡ ስጒምቲ ክወስድ ከምዝጀመረ ኣረዲኡ።

ምምሕያሽ ዋጋታት ክራይ ኣባይቲ፡ ኣካል ናይ’ቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ሰላም መድረኽ ደረጃ ብደረጃ ዝትግበር፡ ንመነባብሮ ህዝቢ ብእወታ ዝጸሉ መደባት ተታሒዙ ንትግባረ ተበጋጊሱ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

“እዚ ኣብ ዋጋታት ንዘይመንበሪ ዘገልግል ኣባይቲ ተገይሩ ዘሎ ምምሕያሽ፡ ናይ መወዳእታ ርትዓዊ ምጉዳል ኣይኮነን” ዝበለ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር፡ በብደረጃኡ እናተገምገመን መጽናዕቲታት እናተኻየደሉን፡ ኣብ መጻኢ ካብኡ ዝትሕተሉ ኩነታት ንምፍጣር ከምዝስራሕ ኣረጋጊጹ።

Categories