መባእታ ቤት-ትምህርቲ ዓዲ-ሮሶ – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምብራኽ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።

ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ዓብዱራሕማን ዓብደላ፡ ብውሑድ ቁጽሪ ኣብ 2011 ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳስ ስርሓ ዝጀመረት ቤት-ትምህርቶም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቊጽሪ ተመሃሮኣ ናብ ኣስታት ሚእቲ ከምዝሓዀረ ኣረዲኡ።

ናይ መባእታ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተመሃሮ፡ ናብ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ደቀምሓረ፡ ቤተ-ሰብ ዘለዎም ድማ ናብ ባጽዕን ጊንዳዕን ብምኻድ ትምህርቶም ከምዝቕጽሉ ገሊጹ።

ነበርቲ፡ ተራ ምጥርናፍ ዓድታት ኣብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምግንዛብ፡ ኣተባባዒ ተበግሶታት ክወስዱ ጀሚሮም ምህላዎም መምህር ዓብዱራሕማን ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ላዓይተን እትርከብ ኣርባዕተ ቁሸታት እትጥርንፍ ዓዲ ሮሶ፡ ብሕርሻን መጓሰን ዝነባበራ ኣስታት 110 ስድራ-ቤታት ኣለዋኣ።

Categories