ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ፡ ፍሉይ ቅርጽን ቅድን ዝውንን ጥንታውን ታሪኻውን ህንጻታት፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ወርሻ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝሕግዝ ንጥፈታት ተጀሚሩ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣቶ ስራጅ ሓጂ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ብዝሕን ፍሉነትን ዘለዎም ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ኣገረምቲ ቅርሲታት ከምዘለዉን፡ ንምልላዮም ብዓቢኡ ድማ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ንምስፋሮም ቀጻሊ መጽናዕትታት ክግበር ከምዝጸንሐን ገሊጹ።

ብመሃንድሳት ዝቘመ ሓይሊ ዕማም፡ ድሮ ቀዳማይ ናይ ምምማይ ስራሑ ጀሚሩ ምህላዉ፡ ንከተማ ኣስመራ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ንምስፋር ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ – ተመኲሮ ዘጥረዩ ክኢላታት ሞያዊ ሓገዝ ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ጥንታዊ ህንጻታት፡ እቲ ኣብ መግዛእቲ ጥልያን ዝተሃንጸ ምስ ህንጻታት ኣስመራ፣ እቲ ናይ ግዜ ቱርኪ ድማ ምስ ናይ ከተማ ባጽዕ፡ ምምስሳል ከምዘለዎ ኣቶ ስራጅ ኣረዲኡ።

Categories