ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ቁሸት ትምህርቲ፡ ሙዚቃ፡ ትልሂትን ድራማን ዝሓቘፈ ባህላዊ ቅነ ኣካዪደን።

ኣብ ቁሸት ትምህርቲ፡ ካብ መባእታ – ኣብያተ-ትምህርቲ ይከኣሎ፡ ባርካ፡ እምነትሚስዮንን ማዕሃድን፡ ካብ ማእከላይ ደረጃ – ኣብያተ-ትምህርቲ ባርካን ኣቑርደትን፡ ከምኡ’ውን ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣቑርደት፡ ኣብ ባህሊ፡ ሙዚቃ፡ ትልሂትን ድራማን ከኣ ኣብያተ-ትምህርቲ ኢንገርነን ኣቑርደትን ተወዳዲረን።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ባህላዊ ቅነ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ መምህር ገብረማርያም ኣልኣዛር፡ እቲ ባህላዊ ቅነ ብቕዓት ተመሃሮን መማህራንን ዝፍትሽ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ተመኲሮ ንምልውዋጥን ዓቕሞም ክብ ንምባልን ዝሕግዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን መምህር ሰለሙን መሓሪ ድማ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገዳስነት ናይቲ መደብ ተገንዚበን ነዚ ዓመታዊ ንጥፈት ኣቐዲመን ግቡእ ምድላዋት ክገብራሉ ተላብዩ።

ተመሃሮ፡ መማህራንን ወለዲን ኣብ ዝተረኽቡሉ ናይ መዛዘሚ ስነስርዓት፡ ኣብ’ቲ መደባትን ስፖርታዊ ውድድራትን ንዝተዓወቱ፡ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።

Categories