ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ቁሸት ትምህርቲ፡ ሙዚቃ፡ ትልሂትን ድራማን ዝሓቘፈ ባህላዊ ቅነ ኣካዪደን።
ኣብ ቁሸት ትምህርቲ፡ ካብ መባእታ – ኣብያተ-ትምህርቲ ይከኣሎ፡ ባርካ፡ እምነትሚስዮንን ማዕሃድን፡ ካብ ማእከላይ ደረጃ – ኣብያተ-ትምህርቲ ባርካን ኣቑርደትን፡ ከምኡ’ውን ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ኣቑርደት፡ ኣብ ባህሊ፡ ሙዚቃ፡ ትልሂትን ድራማን ከኣ ኣብያተ-ትምህርቲ ኢንገርነን ኣቑርደትን ተወዳዲረን።
ኣብ መዛዘሚ’ቲ ባህላዊ ቅነ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ መምህር ገብረማርያም ኣልኣዛር፡ እቲ ባህላዊ ቅነ ብቕዓት ተመሃሮን መማህራንን ዝፍትሽ፡ ኣብ ንሕድሕዶም ተመኲሮ ንምልውዋጥን ዓቕሞም ክብ ንምባልን ዝሕግዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን መምህር ሰለሙን መሓሪ ድማ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገዳስነት ናይቲ መደብ ተገንዚበን ነዚ ዓመታዊ ንጥፈት ኣቐዲመን ግቡእ ምድላዋት ክገብራሉ ተላብዩ።
ተመሃሮ፡ መማህራንን ወለዲን ኣብ ዝተረኽቡሉ ናይ መዛዘሚ ስነስርዓት፡ ኣብ’ቲ መደባትን ስፖርታዊ ውድድራትን ንዝተዓወቱ፡ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።