ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓዋጉ – ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ዘለዎም ጸገም ማይ ፍታሕ ክረክብ ጸዊዖም።

እቲ ጸገም ምስ ምብልሻው ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት ከም እተኸስተ ብምሕባር፡ ርሑቕ ተጓዒዞም ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ይጥቀሙ ምህላዎም፡ እዚ ድማ ጥዕናውን ማሕበራውን ጸገማት የስዕበሎም ከምዘሎ ገሊጾም።

እቲ ስራሕ ልዕሊ ዓቕሚ ንኡስ ዞባ ኮይኑ ምጽንሑ ዝሓበረ ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት ኣቶ ዘርኣብሩኽ ዑቕባስላሰ፡ ሕጂ ግን ዘድሊ መቀያየሪ ኣቑሑ መጺኡ ስለዘሎ፡ እቲ ጽገና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኽትግበር ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ 2003 ከካብ ቦታኡ ብዝተጠርነፉ 3 ሽሕ ነበርቲ ዝቘመት ምምሕዳር ከባቢ ሓዋጉ፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት ንሸነኽ ሰሜን 30 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories