ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝትግበሩ ዘለዉ ልምዓታዊ መደባት፡ ብዘይንቑሕ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ምሉኣት ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ብምእማን፡ ተሳታፍነት ኣባላቱ ንምዕባይን ተረባሕቲ ንምግባረንን ዝዓለመ ርክባት ኣካዪዱ።

እቲ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ከርከበት፡ ሰልዓ፡ ፎርቶ-ሳዋ፡ ሃይኮታ፡ ጎኜን ኣቑርደትን ዝተኻየደ ርክባት፡ ብቐንዱ ናብ ምዕዛዝ ተራን ተጠቃምነትን ደቂ-ኣንስትዮ ዘተኰረ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ብሓፈሻ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ንቕሓተን ኣበሪኸን፡ መጻኢ ወለዶታት ብሰላምን ርግኣትን ዝነብሩላ ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ እጃመን ከበርክታን ተኸፊቶም ንዘለዉ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒመን ነብሰን ከማዕብላን ድማ ተዘሪቡሉ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ሕሉፍ ቅያታት ደቂ-ኣንስትዮ ብምዝካር፡ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል እውን ብዝለዓለ ተወፋይነት ከም ዝደግማኦ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብራ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታትን ባህላዊ ጸቕጥን ሰጊረን ውዳበአን ከሐይላ፡ ብፍላይ መንእሰያት ቀላሲ ተራ ክጻወታ ኣተሓሳሲባ።

Categories