ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ እትርከብ ናይ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ፈቐያ-ጨቐምጠ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ናብ ማእከላይ ደረጃ ብምዕባያ – ጸገም ናይ’ቲ ከባቢ ተቓሊሉ።

እታ ቤት-ትምህርቲ ንምምሕዳራት ከባቢ ፈቐያ-ጨቐምጠ፡ ዓዲ-መኸዳ፡ ማይ ናህዩግን ዓዲ-ናላን ከም እተገልግል ዝገለጸ ዳይረክተር ናይታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ዓንደ ዕቚቡ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቶም ንምክትታል ርሑቕ ዝኸዱ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ብቐረባ ክመሃሩ ከምዝበቕዑ ገሊጹ።

እቲ ብህዝቢ ዝስራሓላ ዘሎ ቀጽሪ፡ ካብ ረበሻን ጥሪትን ውሕስቲ ከምዝገብራ ብምሕባር ድማ፡ ንዝተወስደ ስጒምቲ ኣመስጊኑ።

14 መምሃሪ ክፍልታት፡ ቤት-ጽሕፈትን መኽዘንን ዘለዋ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ፈቐያ-ጨቐምጠ፡ ኣብ’ዚ ዓመተ-ትምህርቲ’ዚ 877 ተመሃሮ ኣለዉዋ።

Categories