ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ግደ ብቑዕ ስርዓተትምህርቲ ኣብ ምሕያል ውጽኢት ተመሃሮ ብዝምልከት፡ ንመማህራን ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ሰሚናር ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ብ20ን 25ን ሚያዝያ ኣብ ከተማታት ደቀምሓረን መንደፈራን ዝተኻየደን ልዕሊ 700 መማህራን ዝተሳተፉዎን ሰሚናራት፡ ሰብ-ሞያ ምምህርና ዶ/ር ሳልሕ ማሕሙድን ዶ/ር ቴድሮስ ስዩምን፡ ንተመኵሮ ኣብነታውያን ሃገራት ኣብ ትምህርቲ እናጠቐሱ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ክኢላታት፡ ትግባረ ፖሊሲታት ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕያል ስርዓተትምህርትን ብቕዓት ተመሃሮን መሰረታዊ ምዃኑ ብምሕባር፡ ደረጃን ውጽኢትን ትምህርቲ ንምምሕያሽን ንምምዕባልን ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ መማህራን ሞያዊ ተራኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ንኡድ ተመሃራይ ብመንጽር ኣብ ትምህርቲ ዝገበሮ ጻዕሪ’ምበር ብተወርሶ ዝረኸቦ ከምዘይኮነ፡ ብሉጽ ውጽኢት ትምህርቲ ድማ ውጽኢት ስራሕን ተወፋይነትን ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብቕዓት ትምህርቲ ንምውርጻጽ ሓባራዊ ጻዕሪ ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ መደባት ትምህርቲ ዘለዉ ሃጓፋትን ብድሆታትን ንምልላይ ዝሕግዝ መጽናዕትታት ክዳሎ፣ ተመኵሮ ኣብነታውያን ሃገራት ምስ ናይ ሃገርና ስርዓተ-ትምህርቲ ኣዛሚድካ ንምግምጋሙ ተበግሶታት ክውሰድ፡ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ እቲ ኣብ ተመኵሮ ዕዉታት ሃገራት ተመርኲሱ ዝተዋህበ መጽናዕታዊ ሰሚናራት፡ ኣብ ምምዕባል ብቕዓት ትምህርቲ ሓጋዚ ክኸውን እምነቱ ገሊጹ።

Categories