ኣብ ከተማ ሰንዓፈ፡ ክራይ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን፡ ብመሰረት ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዘውጸኦ መምርሒ፡ ሕጋዊ መገዲ ክኽተል ጐስጓስ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መስርሕ ውዕል ክራይ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓላፊ ኣሃዱ ክራይ ኣባይቲ ኣቶ ዓሊ መሓመድ-ሳልሕ፡ ኣብ 2018 ሕጋዊ ውዕል መንበሪን ትካላትን ዘማልኡ 2,250 ምንባሮም፡ ኣብ 2019 ድማ ዝወደቐ ውዕሎም ዘሐደሱን ሓደስቲ ተኻረይትን 522 ምዃኖም ብምሕባር፡ እዚ ኣሃዝ’ዚ ነቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓት ተኻረይትን ኣካረይትን ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣቶ ዓሊ ኣስዒቡ፡ ኣቐዲሙ ብፍኑው መንገዲ – ብዘይውዕል ዝግበር ዝነበረ ምክራይ ኣባይቲን ትካላትን፡ ኣብ ልዕሊ ተኻረይቲ ሃስያ የስዕብ ምንባሩ፡ ብመሰረት’ቲ ሓድሽ መምርሒ ዝግበር ውዕል ግን፡ ንክልቲኡ ሸነኽ ዘርብሕ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ክራይ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን፡ ስፍሓት ገዛ ብትርብዒት ሜተር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ 6ይ ክሳብ 10ይ ናይ ክራይ ዞናት ተኸፋፊሉ ዝተወደበ ኮይኑ፡ ንትሕተ-ቅርጽን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ’ውን ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ዓሊ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኣካራይን ተኻራይን ዝለዓል ክርክራት፡ ኣብ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ስለዝርአ፡ ደያኑ ነቲ ብኣካረይቲ ዝቐርብ ምኽንያታትን ንተኻረይቲ ንምውጻእ ዘዘውትሩዎ ሜላታትን ብዕቱብ ክርእዩዎን ክፍትሹዎን ጸዊዑ።

ውዕል ክራይ ዘይምግባር ብሕጊ ከምዘሕትት ኣብ ኣዋጅ ተነጺሩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ዓሊ፡ ገና ውዕል ዘይመልኡ ተኻረይቲን ኣካረይትን ውዕል ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

Categories