ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ “ያታዊ ባህልና፡ መሰረት መንነትናን ህላወናን እዩ” ብዝብል ቴማ፡ ብ24ን 25ን ሚያዝያ – ንዕቃበ ባህላዊ ውርሻታት ዝሕግዝ ዋዕላ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪን ምብራቓዊ ግንባርን ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣምባሳደር መሓመድስዒድ ማንታይ፡ ሱልጣን ራሓይታ ዓብዱልቓድር ዳዉድ፡ ሓለፍቲ ኣካላት መንግስቲ፡ ዓበይቲ ዓድን ኣብ ባህሊ ዝነጥፉ ግዱሳትን ዝተሳተፉሉ ናይ ዓሰብ ዋዕላ፡ ንረቂቕን ነገራውን ባህላዊ ውርሻታት ዝገልጽ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወ/ሮ ሓዋ መሓመድ፡ እቲ ዋዕላ – ነቲ ገና ዘይተፈተሸ ሃብታም ያታዊ ባህልን ልምድን ንምብርባርን ናብ ተካእቲ ወለዶ ንምስግጋርን ዝሕግዝ ስጒምትታት ንምውሳድ ምዃኑ ገሊጻ። እቲ መደብ ብቐንዱ ኣብ ተራን ኣበርክቶን ሕብረተሰብ ስለዝምርኰስ፡ ብውህደት ክስራሓሉ ድማ ኣዘኻኺራ።

ኣብ’ቲ ዞባ፡ ኣብ ዕቃበ ኣግራብ፡ እንስሳ ዘገዳም፡ ቅርስታትን ምክልኻል ብከላን ዘሎ ብኣብነት ዝጥቀስ ባህሊ – ዝያዳ ክዂስኰስን ክሰርጽን፡ ብመጽናዕቲ ክድገፍ፡ ኣብ መደባት ትምህርቲ ኣትዩ ክስራሓሉ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣገንዚባ።

ኣብ መወዳእታ፡ ተራ ሕብረተሰብን ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ፡ መጽናዕታዊ መደባት ክሰፍሕ፡ ባህላዊ ማእከል ብደረጃ ዞባ ክኽፈት. . . ዝብሉ ውሳኔታት ሓሊፎም።

Categories