ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ፡ ነቲ በዓል ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንምእመናን ክርስትና ድማ ብፍላይ – “እንቋዕ ንበዓለ ትንሳኤኡ ኣብቅዓና” ብምባል፡ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ መልእኽቶም፡ ከምዚ ዝበለ ዝዓበየ በዓል ኣብ እነብዕለሉ እዋን፡ ካብታ ዘላትና ንሽጉራት ኣሕዋትናን ጐረባብትናን ከነማቕል፡ ጠዋሪ ንዘይብሎምን ሓገዝና ንዝደልዩን ዓዓቕምና ክንድግፍ፡ ከምኡ’ውን ብፍቕሪ ክንመላለስ ኣባታዊ ምኽሮም ለጊሶም።

ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ሎሚ-ዘመን ረኺብናዮ ዘሎና ሰላም ምሉእ ክኸውን ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽ፡ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ከምኡ’ውን ንሓይልታት ምክልኻሉ “ርሑስ በዓል ትንሳኤ” ኢሎም።

Categories