ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ዓቕሚ መንእሰያት ኣብ ስነ-ጥበብ ክብ ንምባል፡ ብግብሪ ዝተሰነየ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ብምኲራት ስነ-ጥበባውያን ን45 መንእሰያት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣዳልዋ ጽሑፍ፡ ፊልም፡ ድራማ፡ ትልሂትን ሙዚቃን ዘጠቓለለ ምንባሩ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብ19 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምዝዛም፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ምሕረትኣብ ዓንደማርያም፡ እቶም መንእሰያት ዕቑር ስነ-ጥበባዊ ዝንባለኦም ብፍልጠት ኣሰንዮም፡ ኣብ ምብርባር ባህላውን ስነጥበባውን ስራሓት እጃሞም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ ድማ፡ መንእሰያት ኣብ’ቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣፍልጦ ብምብራኽ፡ ኣብ መበቈላዊ ባህሊ ዝተሰረተ ስነጥበባዊ ፍርያት ኣብ ምስሳን ክነጥፉ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories