ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ምስ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ተራኺቡ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ብ25 ሚያዝያ ኣብ ኣዲስኣበባ – ህንጻ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ርክብ፡ ሚኒስተር ገዱ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ኣሓትን ጎረባብትን ልኡላውያን ሃገራት፡ ሓባራዊ ረብሓታት ኣብ ዘደንፍዕ መዳያት ብሓባር ክሰርሓ ንቡር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኣድማዕነት ናይ’ቲ ተጀማሚሩ ዘሎን ድሮ ዓቢ ኣድናቖት ዝረኸበን ምቅርራብን ምርድዳእን ኣበርቲዕካ ምስራሕ፡ ረብሓኡ ኪኖ ክልቲአን ሃገራት ከምዝኸይድ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድን ዘሎ ምሕዝነትን ምርድዳእን፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ልዑል ናይ ሰላምን ምዕባለን ተስፋ ኣስኒቑ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ገዱ፡ ዝያዳ ንምዕዛዙ ምዕያይ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም ብወገኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዝወሰዱዎ ተባዕ – ታሪኻውን ስትራተጅያውን ሕርያታት፡ ናይ ሰላምን ተስፋን በሪ ኣርሕዩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ እወታዊ ኣተሓሳስባን መንፈስን እወታዊ ፍረ ስለዝርከቦ፡ ነዚ ተበጋጊሱ ዘሎ ብእወታዊ ኣካይዳ ምድንፋዑ፡ ንዝተኸስረ ዕድላት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝድብስ ዓቢ ለውጢ ከምዝርከቦ፡ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ – ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሚኒስተር ዲኤታ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነን ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት ሚኒስተርን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories