ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ኣተባብዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብ23ን 24ን ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ትምህርቲ ዞባ፡ ርእሳነመማህራን፡ ሱፐርቫይዘራት፡ መማህራን፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ካልኦትን ዝተሳተፉዎ ዋዕላ፡ ናይ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ንጥፈታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ድሕሪ ምግምጋም፡ ዝነበሩ ሕጽረታትን ብድሆታትን ብምልላይ፡ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ኣድማዒ ንጥፈታት ንምስልሳል ዝሕግዝ ውጥን ስራሕ ተሓንጺጹ።

በቲ መደብ ጀሚሮም፡ ክሳብ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ዝወሰዱ ዜጋታት ከምዘለዉ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣብነት ተጠቒሱ።

ሓለፍቲ ትምህርቲ ኣብቲ ዞባ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታትን ዋሕዲ ዝርጋሐ ኣብያተ-ትምህርቲን ካብቶም ነቲ መደብ ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ረቛሒታት ምዃኖም ኣገንዚቦም። ዝንበብ መጽሓፍቲ ክዝርጋሕ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ – ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይቲን ሚድያን ኣቶ ገብረዝጊ ድማም፡ ኣብ’ቲ ዞባ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ – ምስ ኩሉ ብድሆታቱ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብዕቱብ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories