ዓለማዊ መዓልቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ – 25 ሚያዝያ፡ ብደረጃ ዞባ ማእከል፡ “ዓሶ ናብ ዜሮ ንምውራድ ተበጊሰ ኣለኹ – ሰዓቡኒ” ብዝብል ቴማ፡ ብ24 ሚያዝያ ኣብ ሰረጀቓ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ መደብ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ምቁጽጻር ሕማም ዓሶ፡ ኣቶ መለስ ገብረየሱስ፡ ዞባ ማእከል ኣቐዲሙ ከም ዓሳዊ ቦታ ይቑጸር ከምዘይነበረ፡ ኣብ 1998 ብመልክዕ ለበዳ ምስ ተራእየ ግን፡ ህላውነት ናይ’ታ ነቲ ሕማም እተስዕብ ጣንጡ ከምእተረጋገጸ፡ ብዝተኻየደ ሓያል ጻዕሪ ድማ – ኣብ 2018 መልከፍቲ ናይ’ቲ ሕማም ናብ 0.4 ሚእታዊት ከምዝወረደ ኣብሪሁ።

ብዓለም ደረጃ፡ ኣብ 2030 ኤርትራ እትርከበን ኣስታት 35 ሃገራት ዓሶ ከጥፍኣ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ መለስ፡ ነዚ ንምትግባርን ነቲ ሸቶ ንምስማርን፡ ህዝብን መሻርኽትን ምትሕብባሮም ከዕዝዙ ጸዊዑ።

ሕማም ዓሶ ብዘይካ’ቲ ጥዕናዊ ብድሆታቱ፡ ከቢድ ቊጠባዊ ስንብራት እውን ከምዝገድፍ ዝሓበረ ቃል ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ንዝወጽእ መምርሒታት ተኸቲሉ እጃሙ ከሐይል ኣዘኻኺሩ።

ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ 2013 ልዕሊ 198 ሚልዮን ሰባት ብዓሶ ከምእተለኽፉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 584 ሽሕ ሰባት – ካብዚኦም እውን እቶም 78 ሚእታዊት ህጻናት ከምዝሞቱ የረድእ።

Categories