ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ትማሊ 24 ሚያዝያ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ፕረዚደንት መሓመድ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ምዕሩግ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታትን ዘትዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ገስጋስ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኵነታት ዞባ ቀይሕባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ሚስተር ዓብዱላሂ ጎዳሕ ባረን ካልኦት ሰብ-መዚን፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ መጺኦም ነይሮም።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ፡ ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተፋንዩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብ28 ሓምለን 5 መስከረምን 2018፡ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

Categories