ወከልቲ ተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ቅሮራ፡ ብ20 ሚያዝያ – ኣብ ሓውሲ ከተማ እማህሚመ ኣኼባ ብምክያድ፡ ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ዘትዮም።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መንግስቲ ኣብ ምስራሕ መእለዪ ውሑጅን መስመራት ማይን ደገፍ ክገብረሎም ተላብዮም። ምጥርናፍ ዓድታት ብትኵርነት ክስራሓሉ እውን ሓቲቶም።

ጸገም ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ፡ መራኸቢታትን ቴለፎንን ከምኡ’ውን ትካላት ጥዕና ንምምዕባል ኣብ ዝካየድ ስራሓት፡ ካብኦም ዝሕተት ንምምላእ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

Categories