ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ምስ ነበርቲ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ኣብ ኩነታት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘትዩ።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ኣብ ኣግማይት፡ ሃራሬብ፡ ኣካይደብን ሃዋን ንዝርከባ ትካላት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ቀረብ ማይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ምስ ህዝቢ ዘትዩ። ርእይቶታትን ሕቶታትን ድማ ሰሚዑ።

ነበርቲ፡ እቲ ንኡስ ዞባ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ኩሉ’ቲ ዘድሊ ኣገልግሎታት ከተባጽሓሉ ክብድ ከምዝብል ብምርግጋጽ፡ ኣብ ዕለታዊ ሂወቶም ወሰንቲ ንዝኾኑ ኣገልግሎታት ግዳ – መንግስቲ ቈላሕታ ክገብር ሓቲቶም።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ኣዶብሓን ቅሮራን ተመሳሳሊ ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

Categories