ኣብ ጻዕዳ-ክርስትያን – ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ብ20 ሚያዝያ፡ ወፈራዊ ስራሓት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣካዪዶም።

እቲ መደብ፡ ኣካል ናይ’ቲ ቅድሚ ክራማት ምእታዉ ክፍወስ ተሓሲቡ ዘሎ 70 ሄክታር መሬት ኮይኑ፡ ዛጊት እቲ 15 ሄክታር ከም እተተግበረ፡ ወኪል ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ምሕረትኣብ ባህልቢ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ካልኦት ክልተ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን፡ ተመሳሳሊ ዕዮ ከካይዳ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ብምሕባር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብቲ ስራሕ ይተሓጋገዝ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

መማህራንን ወለድን፡ ወፍሪ ክረምታዊ ልምዓት ተመሃሮን፡ እቲ ህዝቢ በብከባቢኡ ዘካይዶ ንጥፈታት ምግራብን፡ ብዝተወደብ መልክዕ ክትግበር ተላብዮም።

Categories