መንግስቲ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ቀረብ መኻዕበቲ እቶትን ማሕረስን ክገብሮ ወሲኑ ብዛዕባ ዘሎ ደገፍ፡ ብ17 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባረንቱ መብርሂ ተዋሂቡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን – ሜጀር ክብረኣብ ኣብርሃም፡ ንወከልቲ ሓረስቶት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ መንግስቲ – ዘመናዊ ስርዓተ ሕርሻ ብሰፊሑ ንምክያድ መደብ ሓንጺጹ ኣብ መስርሕ ትግባረ ከምዝርከብ ገሊጹሎም። ሓረስቶት እቶታውነት ንምስሳን ንጥፈታቶም ከሐይሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ደገፍ፡ ብቕዓቶምን ጽሬቶምን ዝሓለዉ ድዅዕን መድሃኒት ጸረባልዕን ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ። ኣገልግሎት መጐዓዝያን ዘመናዊ ማሽነሪ ብርትዓዊ ዋጋን ንምቕራብ እውን፡ ምድላዋት ተጻፊፉ ኣብ ደረጃ ትግባረ ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።

ሓረስቶት፡ በቲ መደብ ዝተሰመዖም ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ተግባራውነቱ ክቀላጠፍ፣ ምቕራሐ ትራክተራት ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ምሕደራ መሬት ክውርጽጽ፡ ቀረብ ነዳዲ ክረጋገጽ፡ ፍርያቶም ዘቕርቡሉ ዕዳጋታት ክፍጠር፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories