ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕጊ ብምዕባይ ተርእዮ ገበናትን በደላትን ንምንካይ ዝዓለመ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣብ ዓዲ-ናላ ንህዝቢ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ማይምነ ድማ ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ምክትል ተለንተ እንድርያስ ተስፋገርግስን ሓላፊ ምክልኻል ገበን ኣቶ ዓብለሎም ተወልደብርሃንን፡ ንዕማማት ፖሊስ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምክልኻል ገበን፡ ብተመሃሮ ዝፍጸሙ በደላትን ሳዕቤናቶምን፡ ከምኡ’ውን ፍልልይ ገበናትን በደላትን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ንሳቶም፡ ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ከምዘየድሕን ብምሕባር፡ ገበን ዘኸትሎ ሳዕቤን ተገንዚቦም ብሕጊ ክመላለሱ፡ ወለዲ ድማ ደቆም ካብ ኣነወርቲ ተግባራት ንኽእለዩ ጻዕሪታቶም ከሐይሉ መኺሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ተቐማጦ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ብ16 ሚያዝያ ምስ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ሌተና ኮሎኔል ኣብርሃም ሃይለ ኣብ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ኣብ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምፍታሑ ክግበር ኣብ ዘለዎ ምውህሃድን ዘትዮም።

Categories