“ምህናጽ ሃገር፡ ኣብ መዋእል ሰላምን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ለንደን ክካየድ ዝቐነየ መበል 15 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ – ኤውሮጳ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ኣስታት 700 ወከልቲ መንእሰያት ህግደፍ፡ ህጻናት ሕድሪን፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣባላት ሃገራውያን ውዳበታትን ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ዕድላት ወፍሪ ኣብ ኤርትራ፡ ገስጋስ ዕደና ‘ፖታሽ’ ኮሉሊን ካልእ መዳያትን ዝተንከፈ ዝርዝራዊ መግለጺ – ኣብ’ቲ ዓውድታት ብዝነጥፉ ወጻእተኛታት ክኢላታት ቀሪቡ።

ሓላፊ ማእከል ካርታን ሓበሬታን ኤርትራ – ሌተና ኮሎኔል ጆሜትራ ጌታቸው መርሃጼን፡ “ሃገራዊ ስትራተጂ ምዕባለን ቀዳምነታትናን” ብዝብል፡ ኣብ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሃገራዊ ስትራተጂካዊ መደባት ምዕባለን መጻኢ ኣመታቱን ዘተኰረ መብርሂ ሂቡ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ሃገራዊ ንጥፈታት ብቐጥታ ምስ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝሰላሰል ክወሃሃድን ምዕሩይ ኣበርክቶ ኣብ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ክህሉን፡ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መዋእል ሰላም ዝጠልቦ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ውዳበታት ህግደፍ፡ ማሕበረ-ኮማትን ሃገራውያን ማሕበራትን ምሕያል፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ሃገራውያን ሽማግለታት ናብ ዝሓየለ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምምዕባል፡ ካብ’ቲ ብዕቱብ ክስራሓሉ ዘለዎ ምዃኑ ድማ ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ማዕረ-ማዕረ’ዚ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝመጹ ወከልቲ ህጻናት ሕድሪ፡ ኣብ ሃገራዊ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህሊን ክብርታትን ዝቐንዐ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

Categories