ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ተራ ህዝቢ ኣብ መደባት ቁጠባዊ ልምዓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝዘተየ ኣኼባታት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ውሳኔታትን ለበዋታትን ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንህዝቢ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ምርጫታት ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲን ሽማግለታት ዕርቂን እውን መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኑር ረጀብ፡ ብደረጃ ዞባ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይሳተፉ ካብ ዘለዉ ልዕሊ 70 ሽሕ ቈልዑ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ 21 ሽሕ ከምዝሳተፉ ንምግባር ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም፡ ህዝቢ ተራኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ርእሰ-ውጥን ከተማ ኣፍዓበት ክቀላጠፍ፡ ኣብ ናሮ-ተብዓትን ቅላመትን ተዋዲዱ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ኤለክትሪክ ኣገልግሎት ዝጅምረሉ ኩነታት ክፍጠር ሓቲቶም።

Categories