ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ኣዶብሓን ቅሮራን ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዛብ፡ ካብ 15 ክሳብ 19 ሚያዝያ ዑደት ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ብኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ተሰንዩ፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክታት ቀረብ ማይ፡ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን፡ ከምኡ እውን ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ተዓዚቡን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡን።

ኣብተን ንኡሳን ዞባታት ዘሎ ብድሆታትን ሕጽረታትን ንምቅላልን ንምፍታሕን – ብዛዕባ ክግበር ዘለዎ ጻዕሪታት፡ ምስ ኣመሓደርቲ፡ ወከልቲ ህዝብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ሓሳብ ድሕሪ ምልውዋጥ እውን፡ ደገፍ መንግስቲ ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ’ተን ንኡሳን ዞባታት ብዝትግበር ዘሎ ልምዓታዊ መደባት – ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ኣዎንታዊ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ ዝሓበሩ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣገልግሎታት መጓዓዝያን መራኸቢታትን ግን፡ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ መፍትሒ ክናደየሉ ሓቲቶም።

Categories