ኣብ ንኡስ ዞባ ሰልዓ – ኣብ ገማግም ሩባታት ርከብን ባድንን፡ ጽቡቕ ሕርሻዊ ልምዓት ዝካየደሉ ዝነበረ ክልተ መእለዪ ወሓይዝ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብድበት ተደፊኑ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ብምህላዉ፡ ተጸጊኑ ዳግማይ ኣብ መዓላ ዝውዕለሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ነበርቲ ሓቲቶም።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ርከብ ኣቶ መሓመድ ሳልሕ፡ ብዛዕባ መእለዪ ውሕጅ ከንፈርታይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ሕብረተሰብ ኣብ ሕርሻ ክነጥፍ ህዝባዊ ግንባር ብዝገበሮ ተበግሶ ዝተዋደደ መእለዪ ውሕጅ፡ ልምዲ ሕርሻ ብምጥራይ ኣእካል ክጥቀሙ በቒዖም ምንባሮም ገሊጹ።

እንተዀነ፡ እቲ መእለዪ ውሕጅ ምስ ግዜ ብድበት እናተደፍነ፡ ንምጽጋኑ ልዕሊ ዓቕሚ ሓረስቶት እናኾነ ብምምጻኡ ኣገልግሎት ከምዘቋረጸ ብምሕባር፡ ዝምልከቶ ኣካል ጠመተ ክገብረሉ ተማሕጺኑ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ኣቶ ውኤላ መሓመድ-ዓሊ እውን፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ከባቢ ባድን እውን ተመሳሳሊ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ነዚ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ መእለዪ ወሓይዝ ንምጽጋን፡ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበረሎም ተላብዩ።

ልዕሊ 23 ሽሕ ሰብ ዝነብራ ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ 99 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ኣብ መጓሰ ዝተመርኰሰ መነባብሮ እዩ ዘለዎ።

Categories