ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ መንግስቲ እቶትን እቶታውነትን ንምዕባይ፡ ዘድሊ ቀረብን ናይ ማሕረስ ደገፍን ንምግባር ኣውጺኡዎ ዘሎ መደብ፡ ንሓረስቶትን ኣመሓደርትን ተገሊጹ።

ብ16 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ መንግስቲ – ከም ድዅዒ፡ ዘመናዊ ማሽነሪ ሕርሻ፡ ምሩጽ ዘርኢ፡ መድሃኒት ዘራእትን ጥሪትን ንሓረስቶት ብናጻን ብስማዊ ክፍሊትን ከመቓርሕ ተዳልዩ ከምዘሎ፡ ታሪፍ ክራይ ትራክተራት እውን ናብ 350 ናቕፋ ወሪዱ ምህላው በሪሁ።

እቲ “ምሕደራን ምቕርሐን፡ ቀረብ. . .” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ሓረስቶት ኣቐዲሞም ክገብሩዎ ዘለዎም ምድላዋት፡ ኣእካል ድሕሪ ምእካቡ እውን ክኽተሉዎ ዝድለ ኣገባባት ዘጠቓለለ እዩ።

ተሳተፍቲ፡ ብሰንኪ ዋሕድን ዘይምዕሩይ ምቕርሐን ትራክተራት – ከይተሓርሰ ዝበኵር መሬት ከይህሉ ኣቐዲምካ ክጻፈፍ፡ መሰረታዊ ቀረባት ብኣጋ ክዳለዉ፡ ዝንጸግ መድሃኒት ቅድሚ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኢድ ሓረስቶት ክበጽሕ፡ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ክድፈኣሉ፡ ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ኣቕሪቦም፡፡

Categories