መበል 15 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍኤውሮጳ፡ “ህንጸት ሃገር፡ ኣብ መዋእል ሰላምን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ከተማ ለንደን ተኸፊቱ።

ኣብ’ዚ ካብ 18 ክሳብ 22 ሚያዝያ ዝቃናዕ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመጹ ኣስታት 700 ወከልቲ መንእሰያት ህግደፍን ህጻናት ሕድሪን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣደ-መንበር መንእሰያት ህግደፍ – ኤውሮጳ ወይዘሪት ራሄል ስዩም፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ውጽኢት ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ጽኑዕ መሪሕነቱን ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ እዚ ክብርታት’ዚ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ንኽሰጋገር፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ኣዘኻኺራ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ዋዕለኛታት – መደባት ህንጸትን ልምዓትን ብኣድማዕነት ንምትግባር፡ ውዳበታቶም ኣሐይሎም ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ዳግማይ ቅያ ኣብ እንሰርሓሉ መድረኽ ስለእንርከብ፡ መንእሰያት ንቑሕ ተሳትፎኦም ከዕዝዙ መድረኽ ዝጠልቦ ሕቶ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

 

Categories