ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብ5 መጋቢት ናይ ዘካየዶ መበል 15 ምዱብ ኣኼባኡ ውጽኢት፡ ብ14 ሚያዝያ ንነበርቲ ከተማ ባጽዕ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ’ቲ በብምምሕዳራት ከባቢኡ ዝተገብረ ርክባት፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ጉዳያት – ኣውራ ድማ ኣብ ኣገልግሎታት ዝተፈጸሙን ዘይተፈጸሙን ስራሓት፡ መምስ ብድሆታቶም ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ብቕዓት ትምህርቲ ንምሕያልን ተሳትፎ ተመሃሮ ንምዕዛዝን፡ ስሉሳዊ ዝምድና ወለዲ፡ ተመሃሮን መማህራንን ክድንፍዕ፣ ኮም ዝሰረቱ ከባቢያዊ ጽሬት ክድፈኣሉ – ከምዝግባእ ተዘሪቡሉ።

ተሳተፍቲ፡ ህዝቢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ዝለዋወጠሉ መድረኻት ክሰፍሕ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎ ክብሪ ዋጋ ሃልኪ ኤለክትሪሲቲ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣሕሊፎም።

Categories