ኣብ እዋን ክራማት፡ ኣብ ከባቢታት ማእከል ከተማ፡ ማይ-ኣባሻውልን ዕዳጋ ሓሙስን ዕልቕ-ልቕ ክፈጥር ዝጸንሐ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ከተማ ኣስመራ – ናይ ምጽራግን ምጽጋንን ዕማም፡ ብሰፊሑ ይቕጽል ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕን ብድሆታቱን ንማዕከናት ዜና ሓበሬታ ዝሃበ፡ ሓላፊ ፕሮጀክትታት ዓዲ-ሃሎ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ኣቐዲሙ – ኣብ እዋን ክራማት ካብ ኣኽርያ፡ ኣርባዕተ-ኣስመራን ከባቢ ገዛ-ከኒሻን ብዝወርድ ወሓይዝ፡ ኣብ ከባቢታት ኣባሻውልን ሹቕን ክኽሰት ዝጸንሐ ዕልቕልቕን ሳዕቤናቱን ንምፍዋስ ስራሕ ከም እተጀመረ፣ እንተኾነ ግን፡ ትሕተ-ባይታዊ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ፡ ብድበትን ደረቕ ጓሓፍን ተዓቢሱ ብምጽንሑ፡ ንዓኡ ምጽራግን ንዝተበላሸወ ክፋሉ ምጽጋንን መሰረታዊ ኮይኑ ከምእተረኽበ ገሊጹ።

በዚ ካብ ከባቢ ‘ባር ትብለጽ’ ክሳብ ከባቢ ዑና-ጉዶ ኣብ ዘሎ ሽፉንን ዘይሽፉንን መስመር ዝካየድ ዘሎ ስራሓት፡ ዛጊት ካብ ሓደ ኪሎ-ሜተርን 125 ሜተርን መስመር 1,500 ጽዕነት መኪና (ኣስታት 27 ሽሕ ሜትሮ ኲቦ) ድበት ከምእተኣልየ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ’ቲ ክዱን መትረብ፡ ኣስታት 2 ሜተር ቁመትን ኣስታት 350 ሜተር ንውሓትን ዘለዎ ድበት ንምእላይ ብዝካየድ ዘሎ ከቢድ ዕማም፡ ዛጊት 250 ሜተር ከም እተጸርገ እውን ኣብሪሁ።

ኣቶ ሳልሕ፡ ኣብ ወሰናስን ማይበላ ንሕርሻዊ ንጥፈት ተባሂሉ ዝግበር ምኽታር መስመር፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምምላእ ድበትን ዕልቕልቕን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እናሳዕረረ ዝመጸ – ደረቕ ጓሓፍ ኣብ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ናይ ምድርባይ ተግባራት እውን፡ እቲ ካልእ ጠንቂ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ ኣስመራ፡ ጽሬታን ጥዕና ነበርታን ንምውሓስ ወሳኒ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ኣብ ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ረሳሕ ፈሳሲ ጆሜትራ ዮውሃንስ ሙሉ፡ እዚ ሕጂ ብስፍሓት ዝትግበር ዘሎ ዕማም፡ ጽሬታ ንምውሓስን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ መትረብ ንነዊሕ ዓመታት ቈላሕታ ተነፊግዎ ምጽንሑ ዝሓበሩ ኤሪና ዝተወከሰቶም ነበርቲ፡ እዚ ሕጂ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ፡ ነቲ ዝጸንሐ ጸገም መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ብምዃኑ፡ ምምሕዳራት ንህዝቢ ብምውዳብን ኮሚተታት ብምቛምን ንምዕቃቡ ሓላፍነቶም ከልዕሉ ተማሕጺኖም።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ሓረስቶት ብወገኖም፡ እቲ ኣብ’ቲ መስመር ዘካይድዎ ናይ ምግዳብ ተግባራት፡ ጐድናዊ ሳዕቤናቱ ብዘይምግንዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ውድድር ተጠቃምነት ረሳሕ ፈሳሲ ዘንቀሎ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ናይ 30 ሰንቲ-ሜተር ሰንጣቒት ዝነበሮ ዝኣረገ ሻምብቆታት – ብናይ 60 ሰንቲ-ሜተር ሰንጣቒት ናይ ምትካእን ፋኛቱራታት ብሓድሽ ናይ ምትካእን ምግፋሕን ስራሓት፡ ከምኡ’ውን ሓሓሊፉ ንዝኽሰት ምብልሻው መፈተሺ ዝኸውንን ንዓበይቲ መስመራት ዘራኽብን ሳናዱቕ ናይ ምውዳድ ዕማም ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ሰብን ጸገማት ክፈጥር ንዝጸንሐ ጽርግያታት ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ክልተ ገጻት ዝተኸፋፈለ ናይ ምጽጋንን ምልባጥ ቅጥራንን ስርሓት እውን ይሰላሰል ኣሎ።

Categories