ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ባጽዕ፡ ብ14 ሚያዝያ ምርጫ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ሽማግለ ዕርቂን ተቓኒዑ።

እቲ ምርጫ፡ ህዝቢ ባዕሉ ብዝመረጾም ደያኑን ሽማግለታትን፡ ኣብ ዕርቂ ዝተመርኰሰ ኣገልግሎት ፍትሒ ብቐረባ ንኽረክብ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ – ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ዝኣኸለ ንምትካእ እዩ ተኻይዱ።

ሽድሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም – ትሽዓተ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲን ሽማግለ ዕርቂን ድማ ተመሪጾም።

ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ክልተ ዝነበራ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ሰለስተ ክብ ከምዝበላ ተፈሊጡ።

Categories