ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ባጽዕ፡ ብ14 ሚያዝያ ምርጫ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ሽማግለ ዕርቂን ተቓኒዑ።
እቲ ምርጫ፡ ህዝቢ ባዕሉ ብዝመረጾም ደያኑን ሽማግለታትን፡ ኣብ ዕርቂ ዝተመርኰሰ ኣገልግሎት ፍትሒ ብቐረባ ንኽረክብ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ – ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ዝኣኸለ ንምትካእ እዩ ተኻይዱ።
ሽድሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም – ትሽዓተ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲን ሽማግለ ዕርቂን ድማ ተመሪጾም።
ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ክልተ ዝነበራ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ሰለስተ ክብ ከምዝበላ ተፈሊጡ።