ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና፡ “ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና፡ ንኹሉን ኣብ ኩሉን” ብዝብል ቴማ፡ ብሃገር ደረጃ – ብ17 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ።

ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ዝተኻየደ መደብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን፡ ንሚኒስተር ጥዕና ወኪሉ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና – ሓንቲ ካብ’ተን ብደረጃ ዓለም ዝዝከራ ጥዕና-ጠቀስ 8 ዕለታት ምዃና ድሕሪ ምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ጐድኒጐድኒ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ዝደለዮ ግዜን ቦታን ዝደለዮ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽረክብ፡ ፖሊሲን ስትራተጂን ሓንጺጹ ይሰርሕ ከምዘሎን ዘተባብዕ ውጽኢት ምምዝጋቡን ገሊጹ።

ቃል ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዘስመዐ፡ ወኪል ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ዶክተር ኢብራሂም ሳምቡሊ ድማ፡ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘይረክብ፡ ሚልዮናት ኣደታት ብዘይ ሓገዝ ክኢላታት ጥዕና ከምዝሓርሳ፡ ሚልዮናት ህጻናት ሰኣን ክታበት ከም ዝሞቱ ኣገንዚቡ።

ነዚ ንምውጋድ፡ ሃገራት ዓለም ክሳብ 2030 ኣድማሳዊ ሸፈነ ጥዕና ንምርግጋጽን ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምስማርን፡ ቃል ኣትየን ይሰርሓሉ ምህላወን፡ ኤርትራ ዛጊት ኣሰላሲላቶ ብዘላ ዓወት ክረአ እንከሎ፡ ቅድሚ 2030 ክትበጽሖ ተኽእሎ ከምዘለዋ ድማ ኣረዲኡ።

ዓለማዊ መዓልቲ ጥዕና፡ ንኩነታት ጥዕና ዓለም ዝተወፈየት ዕለት ምዃና ዝጠቐሰ ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ፔረ ንጎም ድማ፡ ኤርትራ ኣብ መደባት ክታበትን ንጽህና ከባብን ንእተመዝግቦ ዘላ ገስጋስ ሞጒሱ።

Categories