ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓራፋን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ዝሰላሰል ዘሎ መእለዪ ውሕጅ ተዓዚቦም።

እቶም ሓለፍቲ፡ ነቲ ብነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዓረብቶ፡ ማሕፊድ፡ ኩምሁለን ለሓዜንን ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ከምኡ’ውን ብእምኒን ሓመድን ዝተሰርሐ መእለዪ ወሓይዝ ተዓዚቦምን ብዛዕባ’ቲ ስራሕ ብሞያውያን መብርሂ ተዋሂቡዎምን።

ንተበግሶን ጻዕሪን ህዝቢ ድሕሪ ምምጓስ ድማ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ምስ ሰብ-ሞያ ሕርሻ ክወሃሃዱ ኣዘኻኺሮም።

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ኩሉመዳያዊ ደገፍ ምምሕዳር ዞባ ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣቶ ዑስማን ዓራፋ ምስቶም ነበርቲ ኣብ ዝገበሮ ካልእ ርክብ፡ እቲ ተበግሶ ንመደብ ምጥርናፍ ዓድታት ዘቀላጥፍ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ጠለባቶም ንምምላእ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረብ ከምዘሎ ገሊጹሎም።

ተሳተፍቲ፡ ውሕጅ ሩባ ሓዳስ ኣሊኻ ናብ ሕርሻዊ ጥቕሚ ንምውዓል ኣብ ዝካየድ ስራሕ – ደገፍ ማሽነሪ ቈላሕታ ክግበረሉ፡ ዘይተዓደለ መሬት ሕርሻ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቶም ዘይወሰዱ ክዕደል ሓቲቶም።

Categories