ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ጐድኒጐድኒ ኣብ ትሕቲ ዲጋ ከርከበት ዘሰላስሎ ዘሎ መስኖኣዊ ልምዓት፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ክፈሪ ዝኽእል ዓይነታት ኣሕምልትን ፍረታትን ብፈተነ ንምርጋግጽ ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣካያዲ’ቲ ፕሮጀክት ኣቶ ታደሰ ፍስሃየ፡ ክሊማዊ ባህሪ ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ዝለምዕ ሕርሻ ካብ ጸሓይን ንፋስን ዝከላኸል ልዕሊ 30 ሽሕ ኣትክልቲ ተተኺሉ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝሃበ፡ ውጽኢታውነቱ ዝተረጋገጸ ጡጥ እውን ኣብ 92 ሄክታር ይለምዕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ክልተ ዓሌታት ቃንጫ ሽኮር ኣብ 14 ሄክታር፡ ባናና ኣብ 5 ሄክታር ከም እተፈተነን፡ ውጽኢቱ ንዝቕጽል ዓበይቲ ስርሓት ባብ ዘርሑ ምዃኑን ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብዝተፈጠረሎም ናይ ስራሕ ዕድል ተመኵሮ ከጥርዩን ኣብ መነባብሮም ምዕባለ ከምጽኡን ከምዝበቕዑ ብምሕባር፡ ኣብ ቀጻሊ ባዕሎም ዝውንንዎን ዘልምዕዎን ሕርሻ ክህልዎም ስለዝደልዩ፡ እቲ ፕሮጀክት ዘድሊ ሓገዝ ክገብረሎም ተላብዮም።

Categories