ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬትን ምትእታትው ዓይኒምድሪ ኣብ ዓድታትን ንምግምጋም፡ ብ12ን 13ን ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዋዕላ ተቓኒዑ።

ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ዝነጥፉ ወከልቲ ከብባያዊ ጥዕና ኣብ ዘቕረቡዎ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ጸብጻባት፡ ንቕሓትን ተገዳስነትን ህዝቢ ልዑል ምዃኑ፡ ቊጠባዊ ሕጽረታት፡ ዘይምጥርናፍ ቊሸታት፡ ሰበኽሳግማዊ ህይወትን ጸገም ቀረብ ማይን ግን፡ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ከምዝኾኑ ኣነጺሮም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ዓብዱ ያቆብ፡ ካብ 953 ዓድታት ናይ’ቲ ዞባ፡ ዛጊት 218 ዓድታት ኣብ ደረጃ ምእዋጅ ምሉእ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ከምዝበጽሓ፡ እተን 573 ዓድታት ዘድሊ ናይ ጐስጓሳትን ምቅርራባትን መደባት ከም እተኻየደለን፡ ኣብ 162 ዓድታት ግና እቲ መደብ ከምዘይተበገሰ ገሊጹ።

ብደረጃ ዞባን ንኡሳን ዞባታትን ዝነጥፋ ኮሚተታት ቈይመን ከምዘለዋ ዝሓበረ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ ዶ/ር ሓየሎም ኪዳነ፡ እቲ መደብ ንኽዕወት ውሁድን ተመላላእን ኣሰራርሓ ክሕይል ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ፡ ጠማርን ንኹሉ ኣብ ግምት ዘእተወን መደብ ክወጽእ፡ ጉዳይ ውሑስ ምንጪ ማይ ጠመተ ክግበረሉ፡ ንብርሰት ኣግራብ ዝዕድም ኣሰራርሓ ዓይኒ-ምድሪ ክውገድ ተላብዮም።

Categories