ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ ብ10 ሚያዝያ፡ ንኣተኣላልያ ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልና ዘለዎም ዜጋታት ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ሆስፒታል ዓዲ-ዃላ ሓኪም ሰነኣእምሮ፡ ኣቶ ያቆብ ሃይለ፡ ንብድሆታት ኣተኣላልያ ግዳያት ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልናን ስነ-ፍልጠታዊ መፍትሒኦምን ኣመልኪቱ፡ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ኣለይቲ፡ ማለት ወለዲን መቕርብን፡ እቲ ዝምዝገብ ለውጢ ዘገምታዊ ብምዃኑ፡ ብዓቕሊ ክሕብሕብዎም ድማ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሲራክ ደባስ ብወገኑ፡ ተሳተፍቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ተግባር ክሰርሑሉ ብምልባው፡ ሆስፒታል ዓዲዃላ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ንምሕጋዝ ድሉው ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

Categories